በዓል ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒዋሪ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንምኽባር ምድላዋት እናተወገነ ምዃኑ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ /25/ 2015 /ኢዜአ/በዓል ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒዋሪ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንምኽባር ምድላዋት እናተወገነ ምዃኑ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል÷ "በዓል ኣሸንዳ ንሰላምን ንሕውየትን "ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር እቲ ቢሮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር÷ በዓል ኣሸንዳ፤ ማርያ፤ ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት ሕውየትን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋፅ ከም ዝስራሕ ገሊፆም።

እቲ በዓል ኣብ መዓልቱ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝኽበር ብምሕባር÷ ቀፂሉ ድማ ካብ ትግራይ ወፃእ ካብ 16 ክሳብ 26 ነሓሰ ከምዝኽበር ተዛሪቦም።

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ካብ ክልል ትግራይ ወፃእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ንኽኽበር ይሰርሕ ኣሎ ዝበሉ ዶክተር ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር÷ ነሓሰ 16 ግን ካብ ትግራይ ወፃእ ከምዘይኽበር ገሊፆም።

በዓል ኣሸንዳ/ማሪያ 16 ነሓሰ ኣብ መብዛሕቲአን ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል እንትኸውን፥ ዓይኒ ዋሪ ድማ 24 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ዝኽበር ኢዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም