ካብ ፀቅጢ ደም ንዓርስና ንከላከል - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ፀቅጢ ደም ንዓርስና ንከላከል

ሓምለ/24/2015/
ሕቘኻ ናብ መንደቕ ኣጐዝጒዝካ ቀስ ኢልካ ናብ ታሕቲ ምውራድ (ዎል ስኳት) ከምኡ’ውን ክልተ ብርኪ ኢድካን ክልተ ጫፋት እግርኻን ኣብ መሬት ኣንቢርካ ሚዛን ምሉእ ሰብነትካ ምሕላው (ፕላንክ) ዝተባሃሉ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላት፡ ጸቕጢ ደም ንምንካይ ተመረጽቲ ኣገባባት ምዃኖም ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ጕዕዞ እግሪ ምግባር፡ ምጉያይን ብሽክለታ ምዝዋርን ትዅረት ክግበረሎም ዝግብኡ ኣገደስቲ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ከምዝዀኑ ንነዊሕ እዋን ሰብ ሞያ ክምዕዱ ምጽንሖም ይዝከር።
ተመራመርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ግን እዞም ኣማራጺታት ምምሕያሽ ክግበረሎም ይምዕዱ ኣለዉ።
እንግሊዛዊ ጋዜጣ 'ጆርናል ኦፍ ስፖርትስ መዲስን' ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ነዚ ሓድሽ ርኽበት ኣቃሊሑ’ሎ።
ኣብ 16,000 ሰባት ዝተገበረ ፈተነ ከምዘመልክቶ ኵሉ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጸቕጢ ደም ኣብ ምጕዳል ረብሓ ኣለዎ።
ይዅን እምበር ብሕቘኻ ናብ መንደቕ ተደጊፍካ (ዎል ስኳት) ዝግበር ምንቅስቓስ፡ ከምኡ’ውን ብብርኪ ኢድካን ኣእጋርካን ተደጊፍካ ፊት ንፊት ናብ መሬት ብምድቃስ ሚዛን ሰብነትካ ብምሕላው (ፕላንክ) ዝግበር ካብ ኤሮቢክ ምንቅስቓስ ኣካላት ብዝበለጸ ጸቕጢ ደም ከም ዘጕድሉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
እዞም ‘ኣይሶሜትሪክ’ ብዝብል ዝፍለጡ ምውስዋስ ኣካላት ንጭዋዳታት ይዅን መላግቦታቶም ከየንቀሳቐስካ ሓይሊ ጭዋዳታት ዝሃንጹ እዮም።
እቲ ፓላንክ ዝበሃል (ብብርኪ ኢድካን ክልተ ኣእጋርካን ተደጊፍካ ሰብነትካ ብምዝርጋሕ ክብደትካ ምሕላው) ብዝተወሰነ መዳዩ ምስቲ ‘ፑሽ-ኣፕ’ ዝበሃል ዓይነት ምንቅስቓስ ዝመሳሰል እዩ።
እዚ ንመሬት ብብርኪ ኢድካ ብምድጋፍ ኣካላትካ ትኽ ኢልካ ብምዝርጋሕ ዝካየድ ምንቅስቓስ፡ ንጭዋዳታት ከብዲ እዩ ዘደልድሎ።
ስኳት ንምስራሕ ድማ ብሕቘኻ ናብ መንደቕ ብምጽጋዕ ልክዕ ኮፍ ከምዝበልካ ብምምሳል ናብ ታሕቲ ምውራድን ናብ ላዕሊ ምምላስን ይሓትት።
ካብ መሬት 60 ሴንቲ ሜተር ዝኸውን ክፍተት ብምግባር ሕቘኻ ናብ መንደቕ ብምድጋፍ ኮፍ ከምዝበልካ ምዃን፤ ብድሕሪኡ ነቲ መንደቕ ተደጊፍካ ናብ ታሕቲ ሸተት እናበልካ ትወርድ። ኣብ መወዳእታ መቀመጫኻ ኣብ መሬት ከይለገበ ኮፍ ከም ዝበልካ ዓይነት እትዀነሉ ምንቅስቓስ ኣካላት እዩ።
ጽሓፊ ናይቲ መጽናዕቲ ዝዀነ መምህር ዩኒቨርሲቲ ካንተርበርይ ክራይስት ቸርች ዶክተር ጀሚ ኦድሪስኮል፡ “ነዞም ኣካላዊ ምንቅስቓሳት እናገበርካ ብዘይምቍራጽ ንኽልተ ደቓይቕ እንተጸኒሕካ ኣብ ጭዋዳታት ንዘሎ ወጥሪ ብዝለዓለ ደረጃ ክውስኽ እዮም ዝገብርዎ። ብድሕሪኡ እቶም ጭዋዳታት መሊሶም ምስ ተዛነዩ ኣብ ኣካላትካ ሃንደበታዊ ስሩዕ ዑደት ደም ይስዕብ” ክብል የረድእ።
ልዑል ጸቕጢ ደም ኣብ ሰራውር ደም፡ ልብን ካልኦት ኣካላትን ጸቕጢ ብምፍጣር ከም ድኻም ልብን ወቕዒን ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና የስዕብ።
ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ውልቀሰባት መብዛሕትኡ ግዜ መድሃኒት’ዩ ዝወሃቦም።
ብተወሳኺ ኣብ ኣነባብራኦም ለውጢ ብምግባር ጥዕና ዘለዎ መግቢ ክምገቡ፡ ኣልኮላዊ መስተ ክቕንሱ፡ ሽጋራ ምትካኽ ከቋርጹን ኣዘውቲሮም ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩን ይምከሩ።
ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ዋላ’ውን ልዑል ጸቕጢ ደም እንተዘይሃለዎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት መርመራ ክገብሩ ሰብሞያ የተሓሳስቡ።
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ካተንበሪ ክራይስት ቸርችን ዩኒቨርሲቲ ሌስተርን ንኽልተ ሰሙንን ልዕሊኡን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ካብ ዝጸንሑ 15,827 ሰባት ዝተረኽበ መረዳእታ እዮም ኣጽኒዖም።
ብተወሳኺ’ውን ካብ 1990 ክሳብ 2023 /ዓ/ፈ ኣብ ዝተኻየደ 270 ክሊኒካዊ ፈተነታት ምንቅስቓስ ኣካላት መርሚሮም።
ሰብሞያ መምርሒ ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከምዝብልዎ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ሰሙን 150 ደቓይቕ ማእከላይ ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩ ወይ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ን75 ደቓይቕ ብርቱዕ ምንቅስቓስን ጭዋዳታት ዘደልድል ምንቅስቓስ ኣካላትን ክገብሩ ይምዕዱ።
ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ዝኸውን ንክልተ ደቓይቕ ናብ መንደቕ ስኳት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ንኽልተ ደቓይቕ ዕረፍቲ ብምግባር ኣርባዕተ ግዜ ፕላንክ ምግባር ከምዘድሊ ዶክተር ኦድሪስኮል ሓቢሩ’ሎ።
ብሪጣንያዊ ፋውንደሽን ልቢ ድማ ምንቅስቓስ ኣካላት ንጥዕና ልቢ ጽቡቕ ምዃኑን ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ክሳብ 35 ሚእታዊት ክቕንስ ከምዝገብርን ይገልጽ።
ብተወሳኺ ምንካይ ጨው፡ ጥዑይ ክብደት ሰብነት ምሕላውን ዝተኣዘዙ መድሃኒታት ብዘይ ምቁራጽ ምውሳድን እውን እወንታዊ ተራ ኣለዎም።