ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ፍልፍል ኩርዓት ሃገር ኢዩ - ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ፍልፍል ኩርዓት ሃገር ኢዩ - ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ /ሓምለ/17/2015/ኢዜአ/ ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ፍልፍል ኩርዓት ሃገር ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጎዳና ርእሰ ከተማ ጣሊያን ዝኾነት ከተማ ሮም ንኣትሌት ኣበበ ቢቂላ መዘከርታ ኣንቢሮም።
ነዚ ስዒቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፤ “ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ፍልፍል ኩርዓት ሃገር ኢዩ” ኢሎም።
“ኣብ መድረኽ ዓለም ንዘበናት ሽም ኢትዮጵያ ዘፀወዐን ንኣፍሪካውያን ኣትሌታት በሪ ዝኸፈተ ዕንቊ ጎያይ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ኣትሌት÷ ተምሳሌት ፅንዓትን ሰዓራይነትን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
“ኣብ ጣልያን ከተማ ሮም ብሽሙ ዝተሰየመ ጎደና ኣለዎ፤ ሎሚ ኣብቲ ቦታ ነቲ ኣትሌት መዘከርቲ ኣቐሚጥና” ኢሎም።