ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ኮይኑ - ኢዜአ ትግርኛ
ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ኮይኑ

አዲስ አበባ /ሰነ/26/2015/ኢዜአ/ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓደ ፀወታ እናትተረፎ ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2015 ዓ.ም ምኳኑ ኣረጋጊፁ።
ቅዱስ ጊዮርጊስን ሃድያ ሆሳዕናን ዘራኸበ መበል 29 ሰሙን ፀወታ፤ 9፡00 ሰዓት ኣብ ስታዲየም ዩንቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲዝተኻየደ ፀወታ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንጋንታ ሃድያ ሆሳዕና 2 ን ባዶ ስዒሩ፡፡
ቸርነት ጉግሳ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ፀወታን እስማኤል ኦሮ ኣጎሮ ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ፀወታን እተን ሸቶታት ብምምዝጋብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተዓዋቲ ክኸውን ገይሮምዎ፡፡