ሪፎርም ሓፈሻዊ መምርሒ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ዘኽበረን ፖሊሳዊ ስነ ምግባር ምርመራ ዝተኽተልን ትካል ሃኒፁ እዩ-ምክትል ጀነራል ኮሚሽነር ዘላለም መንግስቴ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 24/2015 (ኢዜኣ) ሓፈሻዊ መምርሒ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ሪፎርም ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ዘኽበረን ፖሊሳዊ ስነ ምግባር ምርመራ ዝተኽተልን ትካል ከምዝተሃነፀ ሓላፊ እቲ ሓፈሻዊ መምርሒ ምክትል ጀነራል ኮሚሽነር ዘላለም መንግስቴ ገሊፆም።

ሓፈሻዊ መምርሒ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኣብ በጀት ዓመት 2015 / ንዝተመዝገቡ ዓወታት ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ኣመራርሓ፣ኣባላትን ዝምልከቶም ኣካላትን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኔም እናካየደ እዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ምክልኻል ማርታ ሉዊጂ፣ጀነራል ኮሚሽነር ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካን ደመላሽ ገብረሚካኤል ሓዊሱ ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ሓላፊ ሓፈሻዊ መምርሒ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምክትል ጀነራል ኮሚሽነር ዘላለም መንግስቴ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሓፈሻዊ መምርሒ ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምትሕብባር ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝተፈፀሙ ገበናት ብምምርማር ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርብ ፀኒሑ እዩ።

ስለዝኾነ እውን እቲ ከካይዶ ዝፀንሐ ምርመራ ገበን ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ዘኽበረን ቅዋም ስነ ምግባር ምርመራ ፖሊስ ዝተኸተለን ንክኸውን ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።

እቲ ሓፈሻዊ መምርሒ ብዘካየዶም ስራሕቲ ሪፎርም ዓለም ለኸ ብርኪ ምርመራ ፖሊስ ብምምላእ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምዝማን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ስራሕቲ ምርመራ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም