ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ገለልተኛ ጉጅለ ገምጋም ፕሮግራማት ባንኪ ዓለም ዘቲየን

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2015 /ኢዜአ/ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (/) ምስ ዘይሻራዊ ጉጅለ ገምጋም ፕሮግራማት ባንኪ ዓለም ዘቲየን።

እቲ ጉጅለ ካብ 2012 ክሳብ 2022 . ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ተሳትፎ ዝገምገመ እንትኸውን፥ መስ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ድማ ከምዝራኸብ ትፅቢት ይግበር።

ድሕሪ እቲ ገምጋም ኣብ ቀፀልቲ ትልሚታት ብምስንዳእ ዓውዲታት ምትሕብባር ልምዓት ከምዝፈሊ ተሓቢሩ።

እቲ ገምጋም ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብፍላይ ምስ ለውጢ ከባባዊ አየር ዝራኸቡ ተግባራት ከምኡውን ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ክብ ብ ምባል ዝተሰርሑ ስራሕቲ እቶም ቀንዲ ቀንዲ ምኩኖም ካብቲ ሚኒስቴርዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም