በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ሉዛን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ተዓዊቱ - ኢዜአ ትግርኛ
በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ሉዛን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2015 /ኢዜአ/በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ሉዛን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ናይዚ ዓመት ዝበለፀ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ።
በሪሁ ነቲ ውድድር ዝተዓወተ ነቲ ርሕቐት 12:40:45 ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ።
ኣብቲ ርሕቐት በዓል ዋና ሪከርድ ንዝነበረ ዩጋንዳዊ ጆሹዋ ቼፕቴጋይ አከቲሉ ነቲ ውድድር ታዓዊቱ
ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ሳልሳይ፣ ጥላሁን ሃይሌ ራብዓይ፣ ሰለሞን ባረጋ ሓምሻይ፣ ኩማ ግርማ ሻውዓይ፣ ገመቹ ዲዳ ሻምናይ ደረጃ ሒዞም ነቲ ውድድር ዛዚሞምዎ።
ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል ድማ፥ ኢትዮጵያዊት ሲምቦ ኣለማየሁ ካልአይቲ፣ ዘርፌ ወንድማገኝ ራብዐይቲ፣ ሎሚ ሙለታ ሓምሸይቲ፣ መቅደስ ኣበበ መበል 11 ብምዃን ውድድረን ከምዝዛዘማ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።