ውድድር ሻምፕዮና ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ውድድር ሻምፕዮና ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ

መቐለ/ሰነ 14/2015 (ኢዜኣ) ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተሳተፍሉ ውድድር ሻምፕዮና ብስክሌት ኢትዮጵያ 2015 ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ።
እቲ ውድድር ዘጀመርዎ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድሙ ሃይለን ሓላፊ ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወትን እዮም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድሙ ሃይለ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ካብ 14-18 ሰነ 2015 ዓ/ም ዝካየድ ውድድር ሰናይ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ።
እቲ ውድድር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ዝሳተፉ ብስክሌተኛታት ንምምራፅ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ሓላፊ ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ብግደኦም፤ እቲ ኣብ መቐለ ዝተጀመረ ውድድር ብስክሌት ኣብ ኩሎም ክልላት ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
̎ስለዝኾነ እውን ስፖርተኛታት ኣምባሳደር ሰላም ክትኾኑ ይግባእ̎ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገብረስላሴ ብወገኖም፤ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ውድድር ብስክሌት 2015 ኣብ መቐለ ንክካየድ ስለዝፈቐደ ምስጋነኦም ገሊፆም።
እቲ ውድድር ሰላማዊ ኮይኑ ንክዛዘም እውን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።