ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ /12/ 2015 /ኢዜአ/ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ።
ብኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣኦ ዢዩዋን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ዑደት ኣሳሊጡ።
እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ፥ ምስ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኣይተ ፊሊሞን ተረፈን ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ፓርክን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣካይዶም።
ኩባኒያ ኮንስትራክሽን ቻይና (ሲ ሲ ሲ ሲ ) ኣብቲ ፓርክ ዝገብሮ ዘሎ ፕሮጀክትታት ዝረኣዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ እቲ ፕሮጀክት ዝገብሮ ስራሕቲ ብዝምልከት ዘተ ተገይሩ።
እቲ ፓርክ ናብ ስራሕ ይኣቲ ምህላዉ ስዒቡ፥ ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።