ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ኣብ ውድድር ሓደ ማይል ዳይመንድ ሊግ ኦስሎ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ኣብ ውድድር ሓደ ማይል ዳይመንድ ሊግ ኦስሎ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/9/ 2015 /ኢዜአ/ብርቄ ሓየሎም ኣብ ውድድር ሓደ ማይል ዳይመንድ ሊግ ኦስሎ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ።
ኣትሌት ብርቄ ነቲ ርሕቐት ብ4 ደቒቓ 17 ሰከንድን 13 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ።
ኣብቲ ውድድር፥ ወርቅነሽ መለሰ ሓመሸይቲ፣ ሂሩት መሸሻ ሻውዐይቲ ፣ ኣክሱማዊት አምባዬ መበል 12 ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።
ብደቂ ተባዕቲዮ ውድድር 5 ሺሕ ድማ ዮሚፍ ቀጀልቻዝበለፀ ሰዓት እቲ ውድድርን ናይ ውልቁን ብምምዝጋብ ተዓዊቱ።
ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ጥላሁን ሃይሌ ድማ መበል ሳልሳይ ብምዃን ውድድሩ ምዝዛሙ ኣብ ኦስሎ ዳይመንድ ሊግ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።