ውድድር ፈጠራ ስራሕ ሓሳብ ንግዲ ብሩህ ኢትዮጵያ 2015 ተጀሚሩ

224

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2015 (ኢዜኣ) ውድድር ፈጠራ ስራሕ ሓሳብ ንግዲ ብሩህ ኢትዮጵያ 2015 ኣብ ቤት ትምህርቲ መዕበዪ ውህብቶ ቡራዩ ሎሚ ተጀሚሩ።

ኣብ ስነስርዓት መኽፈቲ እቲ ውድድር፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ንጉሱ ጥላሁንን ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕርነርሺፕ ዶክተር ሓሰን ሑሴንን ተረኺቦም።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትንምስልጣን፣ምሽላም፣ምብቃዕኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘካይዶን ኣብ ኩሎም ክልላት ካብ ወረዳ ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐን ውድድር ፈጠራ ስራሕ ሓሳብ ንግዲ 200 ኣሸነፍቲ ዝፍለይሉ መርሃ ግብሪ እዩ።

እቶም ከካብ ክልሉ ተወዳዲሮም ዝሓለፉ 200 ተወዳደርቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ መሰልጠኒ ግቢ መዕበዪ ውህብቶ ቡራዩ ኢንተርፕርነርሺፕ፣ሓሳብ ናብ ተግባር ምቕያርን ኣመሰራርታ ንግድን ብዝምልከት ስልጠና ከምዝወሃቦም ተገሊፁ።

ናብ ካምፕ ድሕሪ ምእታዎም በብርኩ ተወዳዲሮም ኣሸናፊ ዝኾኑ 50 ተወዳደርቲ ብብርኪ ፌዴራል ብምሽላም ውድድር ብሩህ ኢትዮጵያ 2015 ዝዛዘም ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ውድድር ክሳብ 17 ሰነ 2015 / ክፀንሕ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም