ኣብ ብዙሓት መንሽሮታት ዝተገብረ መርመራ ደም ሓቀኛ ተስፋ ኣርእዩ

ይነታት መንሽሮ ዝተገብረ መርመራ ደም፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕርኣየ ተመራመርቲ ገሊጾም።

እቲ መርመራ፡ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪሞም ዝኸዱ 5 ሽሕ ሰባት፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ መንሽሮታት ክልተ ብትኽክል ኣረጋጊጹ።

ኣብ 85 ሚእታዊት ካብቶም መንሽሮ ከም ዘለዎም ዝተረጋገጹ ሕሙማት፡ መበገሲ ኣካል ናይቲ መንሽሮ እውን ኣለልዩ።

እቲ መርመራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መንሽሮታት ኣብ ዝርከብ ቁንጣሮ ጀነቲካዊ ኮድ ፍሉይ ለውጢ የለሊ።

ክሕከም ዝኽእል መንሽሮ ብኣግኡ ምፍላጥ ህይወት ከድሕን ከም ዝኽእል ዝፍለጥዩ።

እቲ መርመራ ኣዝዩ "ኣብ መስርሕ ዘሎ" ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ይሕብሩ፡ እንተዀነ ግን ቁጽሪ ናይቶም ዝተለለዩ መንሽሮታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሕሙማት ከም ምጉዳል ክብደት ሰብነት ዝኣመሰሉ ምልክታት ዝርእዩ እንተዀነ፡ ጠንቁ ግን ዝተፈላለየ ክኸውን ስለዝኽእል ናብ ሆስፒታል ክመመላለሱን ብዙሕ መርመራታትን ክገብሩን ይግደዱ እዮም።

ኣብቲ መጽናዕቲ ልዕሊ 350 ተሳቲፎም እዮም - እዚ ድማ ምልክታት መንሽሮ ዘለዎም ሕሙማት ካብ ዝተሳተፉሎም መጽናዕትታት እቲ ዝዓበየ ይገብሮ።

 ብድሕሪኡ ኣብቶም ተሳተፍቲ ከም ስካንን ባዮፕሲን ዝኣመሰሉ ልሙድ ሜላታት ብምጥቃም መርመር መንሽሮ ተኻይዱ።

ካብቶም ውጽኢት መርመራ ደሞም እወታዊ ዝዀነ፡ እቶም 75 ሚእታዊት መንሽሮ ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ፤ ካብቶም ውጽኢቶም ኣሉታዊ ዝዀነ ድማ 2.5 ሚእታዊት መንሽሮ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ።

ዋላ' " ሕማም መንሽሮ" ንምርግጋጽ እኹል እንተዘይኰነ፡ እቲ መርመራ ንሕሙማት ኣዝዩ ጠቓሚ ከም ዝነበረ መሪሕ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ማርክ ንቢቢሲ ኒውስ ገሊጹ።

"እቲ መርመራ መበገሲ ናይቲ መንሽሮ ኣብ ምፍላጥ 85 ሚእታዊት ትኽክለኛ እዩ ነይሩ - እዚ ድማ ብሓቂ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ብዙሕ ግዜ እቶም ምልክታት ናይ መንሽሮ ድዮም ኣይኰነን ከምኡውን ነቲ ሕሙም እንታይ ዓይነት መርመራ ከምዘድሊ ብቕጽበት ርኡይ ኣይኸውንን" ይብል።

"በቲ ካብቲ ፈተና ዝረኸብናዮ ትንቢት፡ ንመጀመርታ ግዜ ስኮፕ ወይ ስካን ንክንእዝዝ ክንውስንን ቅኑዕ ትእዛዝ ንህብ ከምዘለና ከነረጋግጽን ንኽእል ኢና።"

እዚ ርኽበታት ኣብ ዋዕላ ማሕበር ክሊኒካዊ መንሽሮ ኣመሪካ፡ ኣብ ቺካጎ ክቐርብ እዩ። ከም ፀብፃብ ቢቢሲ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም