ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ስቶክሆልም ሲዊዲን ብክልቲኦም ፆታታት ስዒሮም

 

አዲስ አበባ /ገንቦት /28/2015/ ኢዜአ/  ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ማራቶን ስቶክሆልም ሲዊዲን ብክልቲኦም ፆታታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ብምሓዝ ብላዕለዋይነት ዛዚሞም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድራት ኣትሌቲክስ ተኻይዶም።ኣብቲ ሰሙን ከብ ዝተገበሩ ውድድራት እቲ ኣብ ሲዊዲን ዝተኻየደ ማራቶን ስቶኮልም ይርከቦም።ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኦም ፆታታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ሒዞም ዛዚሞም።

ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣሸናፊ ሞገስ ቀዳማይ ኮይኑ እንትዛዝም ኣትሌት ደራራ ሁሬሳ ካልኣይ ከምኡ'ውን ኣትሌት ፀጋዬ መኮንን ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ውድድር ብላዕለዋይነት ዛዚሞም።

ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሲፋን መላኩ ቀዳማይ ብምውፃእ እንትስዕር ኣትሌት ሶሮሜ ነጋሽ ካልኣይ ከምኡ'ውን ኣትሌት የኔነሽ ዲንቄሳ ሳልሳይ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣልባሴቴ ስፔን ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ካሳነሽ ባዜ ስዒራ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኔልሰን ማንዴላ ኣትሌት በቀለች ወሬዮ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ነቲ ውድድር ዛዚማ ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ኣትሌት ሰላም ገብሬን ትግስት ኣያሌውን ብቕደም ሰዓብ ራብዓይን ሓምሻይን ኮይነን ዛዚመን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም