ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ/ም ዲያስፖራ ሓዊሱ ልዕሊ 3 ሽሕን 700 ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ወሲዶም

106

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 26/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ በጀት ዓመት 2015 / ዲያስፖራ ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 432 ቢልዮን ብር ዘመዝገቡ ልዕሊ 3 ሽሕን 700 ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ምውሳዶም ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ምስቲ ክልል ብምትሕብባር ተሳትፎ ዲያስፖራ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዝጠመተ ዘተ ኣብ ከተማ እንጅባራ ኣካይዱ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ተፈሪ ታረቀኝ ከምዝገለፅዎ፤ ዲያስፖራ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዝገብሮ ተሳትፎ ንምዕባይ ቅልጡፍ ኣገልግሎትን ኣሰራርሓን ንምምችቻው እቲ ቢሮ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ እዩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራሕ ዲያስፖራ ሓዊሱ ልዕሊ 432 ቢልዮን ብር ካፒታል ዘመዝገቡ ልዕሊ 3 ሽሕን 700 ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ምውሳዶምን ካብኣቶም እቶም 86 ሚኢታዊ ዲያስፖራታት ከምዝኾኑን ኣረዲኦም።

ብሙሉእ ዓቕሞም ናብ ስራሕ እንትኣትዉ 780 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥሩ ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም።

ተወካሊ ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣይተ መላኩ ዘለቀ ብወገኖም፤ እቲ ኣገልግሎት ተሳትፎ ዲያስፖራ ንምዕባይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ኣማኻሪ ጉዳያት ዲያስፖራ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣላዩ መኮንን፤ ዲያስፖራ ናብ ክልሉ መፂኡ መዋእለ ንዋዩ ኢንቨስት ብምግባር ሽግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ንክገብር ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም