ኣብ ባህሊ ምትሕግጋዝ"ቡሳ ጎኖፋ"እቲ ህዝቢ ልዕሊ 16 ሽሕ እንሰሳት ብምእካብ ብድርቂ ንዝተጎድኡ 8 ሽሕ ኣቦታት መራሕቲ ስድራ ደገፍ ገይሩ- ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ

186

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 26/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ባህሊ ምትሕግጋዝ"ቡሳ ጎኖፋ"እቲ ህዝቢ ልዕሊ 16 ሽሕ እንሰሳት ብምእካብ ብድርቂ ንዝተጎድኡ 8 ሽሕ ኣቦታት መራሕቲ ስድራ ደገፍ ምግባሩ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

እቲ ደገፍ፤ እቲ ሕብረተሰብ ብመሰረት ባህሉ ዝተፈላለዩ እንሰሳት ብምትእኽኻብ ብድርቂ ተገዳእቲ ንዝኾኑ ኣቦታት መራሕቲ ስድራ ካብ ጉድኣቶም ድሒኖም ዓርሶም ንክኽእሉ ዝገበረ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ተገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ዶክተር ማሊቻ ሎጄ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ 10 ዞባታት እቲ ክልል ተፈጢሩ ዝነበረ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝብን እንሰሳትን ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ።

ብመዳይ መንግስቲ እቲ ድርቂ ንምፅዋር ብዝተሰርሐ ስራሕ ብምኽንያት እቲ ድርቂ ንዝተጎድኡ 3 ነጥቢ 9 ሚልዮን ዜጋታት ልዕሊ 2 ነጥቢ 7 ሚልዮን ኩንታል ናይ ቀለብ እኽሊ ደገፍ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።

ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት እውን ልዕሊ 180 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ነቶም ተጎዳእቲ ምብፅሑ ተዛሪቦም።

ቡሳ ጎኖፋ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ቀደም ጀሚሩ ሰብ ስራሕ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ እንተጋጥምዎ ነንሕድሕዱ ዝተሓጋገዘሉ ስርዓት እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ድርቂ ኣብ ዘጋጠሞም ከባብታት ዘላቒ ፕሮጀክት ልምዓታት ኣብ ምስላጥ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሕዚ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝናብ ምዝናቡ ስዒቡ ሓረስታይ ናብ ልምዓት ሕርሽኡ ንክኣቱ ኣቕርቦት ተራክተር፣ምሩፅ ዘርእን ሓመድ መዳባርያን ተበፃሒ ምግባሩ ገሊፆም።

"ቡሳ ጎኖፋ" ኣካል ስርዓት ገዳን ታሪኻዊ ስርዓት ባህሊ ምትሕግጋዝ ህዝቢ ኦሮሞን እንትኸውን፤ ህዝቢ ኦሮሞ ሰብ ስራሕ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ፀገም እንተጋጥሞ ፀገሙ ንምፍታሕ ነንሕድሕዱ ዝተሓጋገዘሉ ባህላዊ ትውፊት እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም