ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሓለዋን ደገፍን ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝምልከት መድረኽ ምኽክር እናተኻየደ እዩ

138

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 26/2015 (ኢዜኣ) ኣበ ምትእኽኻብ እታዎታት ሪቂቕ ኣዋጅ ሓለዋን ደገፍን ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ዘተኮረ መድረኽ ምኽክር ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ እዩ።

እቲ መድረኽ ምኽክር፤ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ሰላም፣ሚኒስቴር ፍትሒ፣ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታትን ኤጀንሲ ስደተኛታት ውሕመን ዝተዳለወ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ፤ ትካላት ሰብኣዊ መሰል፣ማሕበራት ሲቪል፣ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ተወከልቲ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ዶክተር ስዩም መስፍን ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ኣዶታትን ህፃናትን ሓዊሱ ብዙሓት ዜጋታት ተፈናቒሎም እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ንተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተማልአ ደገፍ ምግባር ዘኽእል ማዕቐፍ ሕጊ ከምዘይነበረ ኣረዲኦም።

ኣብ ምድላው ዝርከብ ረቂቕ ኣዋጅ ሓለዋን ደገፍን ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ እውን ሰብኣዊ ሓገዝን ሓለዋ መሰልን ሓዊሱ ካልኦት ደገፋት ንክግበሩሎም ከምዝጠቅም ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተፀዋዕነቱ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዝኾነ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ሓለዋን ደገፍን ተፈናቐልቲ ውሽጢ ዓዲ ከምዝጣየሽ ገሊፆም።

እቲ ቤት ምኽሪ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ እንትኸውን ትካላት መንግስቲ፣ትካላት ሃይማኖት፣ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ከከም ኣግባብነቱ ኣብ ትሕቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ንክሕቆፉ ዝግበሩ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዝሓቖፈ ከምዝኸውን ተፀሪሑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም