ማእከል ባህሊ ብሄረሰብ ቀቤና ተመሪቑ - ኢዜአ ትግርኛ
ማእከል ባህሊ ብሄረሰብ ቀቤና ተመሪቑ
አዲስ አበባ /ግንቦት /26 /2015 /ኢዜአ/ ማሕበር ልምዓት ቀቤና ናይቲ ብሄረሰብ ባህላዊ፣ ታርካውን እሴታት እምነትን ባህልን ዘርእይ ልዕሊ 75 ሚልየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ ኣብ ከተማ ወልቂጤ ዘህንፆ ማእክል ባህሊ ኣመሪቑ።
እቲ ማእክል ባህሊ ደረጅኡ ዝሓለወ ሙዝየም ፣ኣዳራሸ ባህሊ ፣ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕሉ ቢሮታት ዝሓዘ እዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሓለፍቲ ስራሕ ክልል፣ዞባን ወረዳን ፃውዒት ዝተገበረሎም ሰብ ግደ ኣካላትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።