ኣይተ ደመቀ መኮነን ቀፃሊ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብሩህ ከምዝኾነ ገሊፆም

119

 

ኣዲስ ኣበባ / ግንቦት/26/ 2015 (ኢዜአ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ቀፃሊ ኣብ ምትእምማንን ሕውነትን ዝተደረኸ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብሩህ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ቻይና ምስ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ጎኒ ንጎኒ ምስ ሲ ጂ ቲ ኤን ፃንሒት ገይሮም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኩለ መዳይ፣ ሓቛፊ፣ ስትራቴጂካዊን ኣብ ምትሕብባር ዝተደረኸን ምዃኑ ገሊፆም።

እዚ ድማ ትልሚታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ እወንታዊ መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሎም።

ቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭን ፎረም ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካን ኣብ ርክብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ቻይናን ከም ኣብነት ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ቺን ጋንግ ዝገበርዎ ዑደት፣ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዡ ቢንግ ዝገበርዎ ፃዕሪ፣ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ንምጥንኻር ዘለቃ ድልየት መርኣያ ምዃኑ ገሊፆም ክብል ኢዜአ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም