ኣብ ሞሮኮ ይዳሎ ኣብ ዘሎ ጂአይቴክስ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝተረኸቡ ጀመርቲ መሃዝቲ ስራሕ ዑደት ኣሳሊጦም

133

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ደሕንነት ሰለሞን ሶካ ኣብ ሞሮኮ ይዳሎ ኣብ ዘሎ ጂአይቴክስ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ዝተረኸቡ ጀመርቲ መሃዝቲ ስራሕ ዑደት ኣሳሊጦም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ ሞሮኮ ማረከሽ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ኮንፈረንስ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ንሙያዊ ምርምርን ልምዓት ኢኮኖሚን ተሳቲፎም።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ጀመርቲ መሃዝቲ ስራሕ ዑደት ኣሳሊጦም።

እቲ ኮንፈረንስ፥ ኣብ ሳይበር ደሕንነት፣ ክላዉድ ኮምፒዉቲንግ፣ ኣርተፍሻል ኢንተለጀንስ፣ ፊንቴክ፣ ዲጂታል ከተማ፣ ኣግሪ ቴክን ወዘተ ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም