ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 7 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 7 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/26/2015 (ኢዜአ)ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 7 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ሞቱማ ቶሌራ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ብኣፈልፋልነት ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓማውቲ ዝጀመርቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ለዕል 25 ቢሊየን ፈልስታት ምትካል ክኢላ ኢያ።
ፍርያት እዛ ዓዲ ክብ ንምባል፣ ውሕስነት ምግቢ ዜጋታት ነምርግጋፅን ሽፋን ደኒ በምዕባይ ለውጢ ክሌማ ንምክልካልን ዝዓለመ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ሞቱማ (ዶ/ር)፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝተገበረ ምትካል ፈልሲ ኣብ ምክልኻል ምሽርሻር መሬት፣ ምፍልፋል ማይ ከርሰ ምድሪ እወንታዊ ግደ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ሎሚ ዘበን ንዝሳለጥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 7 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ምዝራቦም ኢዜአፀብፂቡ።