ኣብ መንጎ ፋርም ኣፍሪካ ኢትዮጵያን ኤምባሲ ሲዊዲን ኣብ ኢትዮጵያን ስምምዕነት 30 ሚሊዮን ዶላር ተፈሪሙ

107

አዲስ አበባ/ ግንቦት/ 26/ 2015 /ኢዜአ/  ኣብ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓመታት ዝትግበር ንተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ ዘላቕን ንኹሉ ኣብ ዝሓቖፈን ልምዓት ዝጠመተን ስምምዕነት 30 ሚሊዮን ዶላር ኣብ መንጎ ፋርም ኣፍሪካ ኢትዮጵያን ኤምባሲ ሲዊዲን ኣብ ኢትዮጵያን ተፈሪሙ።

እቲ ፕሮግራም ብሚኒስቴር ግብርናን ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ሓገዝን ክትትልን ዝግበረሉ እዩ።

 እቲ ፕሮጀክት ብንኡሱ 87 ሽሕን 400 ወነንቲ ስድራ ብቐጥታ ተጠቀምቲ ዝገብርን ናብ 35 ወረዳታትን 5 ክልላትን መላእ ኢትዮጵያ ተበፃሒ ዝገብርን እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሲዊዲን ሃንሳ ሄነሪክ ሌንዲኩዊስት ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፌርማ ከምዝተዛረብዎ መንግስቲ ሲዊዲን ንኩለመዳያዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም፣ እቲ ብምትሕብባር ልምዓት ሲዊዲን ዝተገበረ ናይ ሎማዓንቲ ሓገዝ እውን ኣካል እዚ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ብወገኖም መንግስቲ ሲዊዲን ንዝገብሮ ንድልየት ልምዓት ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

 ንስራሕቲ ለውጢ ነባሪ ኣየርን ሓለዋ ከባብን ብዝምልከት ኣብ ሃገርና ንዝስርሑ ስራሕቲ እቲ ስምምዕነት ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ግብርና ፕሮፌሰር ኢያሱ ኤልያስ ከምዝበልዎ ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ነባሪ ኣየር ዝወለዶም ድርቅን ውሕጅን ብተደጋጋሚ እናተፈጠሩ ምዃኖም ኣልዒሎም ኣብዚ ዙርያ ዝግበር ሓገዝ ብጣዕሚ ጠቓሚ ምዃኑ ገሊፆም።

ንኣሲዳውነትን ዕርቃንን መሬት ምክልኻል ልምዓት ተፋሰስን ሰንሰለት ባህሊ ግብርናን ምዝማን ካብቲ ፕሮጀክት ትፅቢት ዝግበር ምዃኑ እውን ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

ዳይሬክተር ፋርም ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሸዊት ኢማኑኤል ፋርም ኣፍሪካ ስራሕቱ ብመሰረት እቲ ሰነድ ስምምዕነት ብምትግባር ንውፅኢታውነቱ ምስ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ሚኒስቴር ግብርናን ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም