ፈላማይ ዙር ኮንፈረንስ መናእሰይ ኣብ ከተማ ሸገር እናተሳለጠ ይርከብ

 ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር " ተሳትፎ መናእሰይ ንህንፀት ሃገር" ብዝብል 1 ሽሕን 500 መናእሰይ ዘሳተፈ ፈላማይ ዙር ኮንፈረንስ መናእሰይ ኣብ ክፍለ ከተማ ፉሪ እናተሳለጠ ይርከብ።

አዲስ አበባ/ ግንቦት /26/ 2015 /  ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር " ተሳትፎ መናእሰይ ንህንፀት ሃገር" ብዝብል 1 ሽሕን 500 መናእሰይ ዘሳተፈ ፈላማይ ዙር ኮንፈረንስ መናእሰይ ኣብ ክፍለ ከተማ ፉሪ እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ካብ ዓሰርተ ክልቲአን ክፍለ ከተማታት ዝተውፃእፅኡ ካብ 1 ሽሕን 500 ንዝበልፁ መናእሰይ ሓዊሱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እታ ከተማ ኣይተ ኣለማየሁ ቱሉ፣ ምክትል ከንቲባ ኣይተ ግርማ ሃይሉ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መናእሰይን ስፖርትን ኣይተ ናስር ሁሴንን ካልኦት ኣመራርሓታት እታ ምምሕዳር ከተማን ክፍለ ከተማታትን ተሳቲፎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ሸገር ኣይተ ናስር ሁሴን ኣብቲ ብብርኪ ወረዳን ክፍለ ከተማን እናተሳለጠ ዝነበረ ኮንፈረንስ እቶም መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዙሩራ እናተዛተዩ ከምዝፀንሑ ገሊፆም።

ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ብምልዓል እውን በቢ ብርኩ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓታት መንግስቲ መኺሮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ሸገር ኣይተ ኣለማየሁ ቱሉ እቲ ብብርኪ ወረዳን ክፍለ ከተማን እናተሳለጠ ዝነበረ ዘተ ዕዉት ከምዝነበረ ገሊፆም ተሳትፎ እቶም መናእሰይ ንልምዓትን ዕብየትን ከተማ ሸገር ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ "መናእሰይን ህንፀት ሃገርን" ብዝብል መበል 13 ኮንፈረንስ መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኦሮሚያ እናተሳለጠ ከምዝርከብ እውን ኦቢኤን ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም