ኣማራፅታት ተሃደስቲ ሓይልታት ብምጥቃም ኣገልግሎፐት ኤሌክትሪክ ንዜጋታት ንምብፃሕ እናተሰርሐ እዩ-ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን

110

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 26/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣማራፅታት ተሃደስቲ ሓይልታት ብምጥቃም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንዜጋታት ንምብፃሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ሚኒስትር ዲኤታ ዓውዲ ልምዓት ኢነርጂ ዶክተር ኢንጂነር ሱልጣን ወሊን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ትካልን ኣብ ዞባ ሃድያ ወረዳ ገሰጣ ጣብያ ኦዳዳ እናተሃነፀ ዘሎ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ጎብንዮም።

ንኹሉ ከባቢ ካብቲ ዋና መከፋፈሊ(ግሪድ) ኣገልግሎት ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ዘይጥዕሙ ከባብታት ዘለው ዓቕምታት መሰረት ዝገበረ ኣማራፂ ተሓዳሲ ሓይሊ ብምጥቃም ተበፃሕነት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምስፍሕፋሕ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም።

ነዚ እውን ኣብ ዞባ ሃድያ ወረዳ ጊዜ ብልዕሊ 20 ሚልዮን በጀት እናተሃነፀ ዘሎ ፕሮጀክት ህንፀት መፈልፈሊ ሓይሊ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ከም መርኣያ ብምፅራሕ፤ ልዕሊ 20 ኪሎዋት ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ከምዘለዎን ሓይሊ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ንግብርናን ካልኦት ኣገልግሎታት ልምዓትን ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፆም። 

ሓላፊ መምርሒ ማይ፣መስኖን ኢነርጅን ዞባ ሃድያ ኣይተ መለሰ ሃይሌ፤ ኣማራፅታት ተሓደስቲ ሓይልታት ምጥቃም ምብራስ እፅዋት ንምክልኻልን ግዜን ጉልበትን ኣዶታት ንምዕቃብን ረብሓ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

 እቲ ሚኒስቴር ፀገማት ኣቕርቦት ሓይሊ ንምፍታሕ ንቴክኖሎጂ ዝሃቦ ትኹረት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም