ክብሪ፣ሰላምን ድሕንነትን ኣብያተ እምነት ንክሕለው ኩሉ ኣካል ናይ ባዕሉ እጃም ክዋፃእ ኣለዎ-ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ

72

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 26/2015 (ኢዜኣ) ክብሪ፣ሰላምን ድሕንነትን ኣብያተ እምነት ንክሕለዉ ኩሉ ኣካል ናይ ባዕሉ እጃም ክዋፃእ ይግባእ ክብል ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

መግለፂ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስጅድ ኣንዋር ስነ ስርዓት ጁምዓ ሰላት ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ብዛዕባ ዝፈረሱ ምስጂዳት ተቓውሞ ንምስማዕ ዝተገበረ ፈተነ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ጎንፅን ብዝተወሰደ ናይ ሓይሊ ስጉምትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ምብፅሑ ዝወፁ ዘለዉ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 18 ግንቦት 2015 / እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መስጂዳት ኣንዋርን በኑርን(በኒን) ድሕሪ ስነ ስርዓት ጁምዓ ሰላት ብዝተፈጠረ ተቓውሞን ብሓይልታት ፀጥታ ዝተወሰደ ዘይመጣጠን ስጉምትን ክልተ ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ ብርክት ዝበሉ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ከቢድን ቀሊልን ኣካላዊ ጉድኣት በፂሕዎም እዩ።

ስለእቶም ዝሞቱ ወገናትና እቲ ጉባኤ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ ንፈተውቲ፣ኣዝማድን ቤተሰብን መወትቲ ኩሎም ምፅንዕናዕ እናተመነየ፤ ብተወሳኺ እውን ኣብቲ መዓልቲ ጉድኣት ኣካልን ስነ ልቦናን ንዝበፅሖም ኩሎም ቅልጡፍ ሕክምና ንክረኽቡ ጉባኤና ልባዊ ትምኒቱ ይገልፅ።

ብተመሳሳሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ጎጃምን ኣርሲን ኣብ ዝርከቡ ክልተ ቤተ ክርስትያናት ብዛዕባ ዝበፅሐ ጉድኣት እናተፃረየ ከምዝርከብ መምርሒ ርክብ ህዝቢ እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ዘውፀኦ ሓበሬታ የመላኽት።

መስጂዳትን ኣብያተ ክርስትያናትን ኣመንቲ ሃይማኖታዊ፣መንፈሳውን ሞራላውን ፀጋታት ዝህነፀሎም ማእኸላት ካብ ምዃኖም ንላዕሊ ፍሉያት ምልክታት መእምናን ከምዝኾኑ ዝፍለጥ እንትኸውን ኣመንቲ እውን ምስ ትካላት እምነት ዘለዎም መንፈሳውን ስምዒታውን ምትእስሳር ጠንካራ እዩ።

ብኣንፃር እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሓዱሽ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ዝርከቡ መስጂዳትን ቤተ እምነታትን ምስ ሕጋዊነት ተኣሳሲሩ ብምፍራሶም ሕብረተሰብ ሰዓብቲ እስልምና ኣቖጢዑ እዩ።

ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ትኹረት ብምሃብ እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንክፍታሕ ልዑል ፃዕሪ ክገብር ከምዝፀንሐ ዝፍለጥ እንትኸውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝበፅሐ ጉድኣት ስዒቡ ነቲ ጉዳይ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ 9 ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ብምጥያሽ ምስ መንግስቲ እናተዘራረበ ከምዝኾነ መግለፂ ብምሃብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳይ እስልምና ማሕበረሰብ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ዱኣ እናገበረ ብትዕግስቲ ንክፅበ ከምዘተሓሳሰበ ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር እቲ መሪሕ ትካል ዘመሓላለፎ መተሓሳሰቢ ከምዘሎ ኮይኑ 25 ግንቦት 2015 / ድሕሪ ስነ ስርዓት ጁምዓ ሰላት ጎንፅን ዘይምርግጋዕን ዘጋጠመ እንትኸውን ሓይልታት ፀጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ጉድኣት ምብፅሑ ብጣዕሚ የሕዝን።

ስለዝኾነ እውን ብሕታዊ መራሒ ትካል ሰዓብቲ እምነት እስልምና ዝኾነ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምስ ኣካላት መንግስቲ ዝጀመሮ ዘተ ክሳብ ዝዛዘም ማሕበረሰብ ሰዓቢ እስልምና ብትዕግስቲ ንክፅበ፣መንግስቲ ብፍላይ ሓይልታት ፀጥታ እውን ብተመሳሳሊ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ናይ ምሕላው ስርሑ ብልዑል ጥንቃቐ ንከሳልጥ ጉባኤና ብኣፅንኦት እናተሓሳሰበ ኩሉ ወገን ክብሪ፣ሰላምን ድሕንነትን መስጂዳትን ቤተ እምነታትን ብምሕላው ቤተ እምነታት ዝተጣየሽሉ ዕላማን ልኡኽቶን ንምፍፃም ዝከኣለሎም ቅዱስ ስፍራታት ናይ ምኽባር ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ንሓትት።

ፈጣሪ ኢትዮጵያ ይባርኽ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም