ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ሓለፍቲ ኩባንያታት ኦራክልን ቪዛን ዘትዮም

214

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 26/2015 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ ምስ ሓለፍቲ ኩባንያ ዓለም ለኸ ቴክኖሎጂ ኮምፒዩተር ኦራክልንን ኩባንያ ኣገልግሎት ፋይናንስ ቪዛን ተዛትዮም።

ኣብ ሞሮኮ ከተማ ማራካሻ ካብ 23 ግንቦት ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ዓውደ ርእይ ዓለም ለኸ ቴክኖሎጂ (ጂአይቴክስ) ተዛዚሙ።

ኣብቲ ዓውደ ርእይ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡሰ ፍሉጣት ኩባንያታትን ጀመርቲ ፈጠርቲ ቴክኖሎጂታትን ዝተዓደሙሎም ዓወደ መፅናዕትታትን ዓውደ ርእይን ተኻይዶም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ዶክተር በለጠ ሞላን ልኡኾምን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ኩብናያታት ዘተ ገይሮም።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዓውደ ርእይ፤ እቶም ሚኒስትር ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ኩባንያታት ኦራክልን ቪዛን ተዛትዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም