ሕቶ ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን በቲ ዝተለመደ መገዲ ብምኻድ ክንፈትሖም ኣይንኽእልን-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

70

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/26/ 2015 (ኢዜአ)ዝለዓሉ ዘለዉ ሕቶታት ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን በቲ ዝተለመደ መገዲ ብምኻድ ክንፈትሖም ኣይንኽእልን ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ምስ ኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ወረዳታትን ከተማታትን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፥ ኣብቲ ጉዳይ ተመሳሳሊ ኣበሳ፣ ተመሳሳሊ ሽግር፣ ተመሳሳሊ ሕመቕ ዘርአየ ሰብ መሊስና ተሸኪምና ብምንቅስቓስ፤ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ብምቕያር ወይ ብሓደ ይኹን ብካልእ መገዲ ሓደ ብርኪ ብምዉራድ፣ መጠንቀቕታን ገለን ብምሃብ ኣብኡ ክፀንሕ ብምግባር ክፍታሕ ዝኽእል ሽግር የለን ኢሎም።

ስለዚ ከም ኣብያተ ምኽሪ፣ ቀንዲ ትኹረቱ ህዝቢ እንታይ ይብል ኣሎ ብዝብል መንፈስኣብ ዝኾነ ይኹን መድረኽ ክህሉ ዝኽእል ናይ ኣመራርሓ ምትዕርራይ፣ ብዋናነት ናይ ህዝቢ ድሌትን ረብሓን ማእኸል ዝገበረ ኮይኑ ዝተፈፀመ ምዃኑ ናይ ምርግጋፅ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለኩም ክብሉ ገሊፆም።

ካብላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ክግበር ዝግባእ ምትዕርራያት ናይ ህዝቢ ድሌት ማእኸል ብዝገበረ መገዲ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ሕዚ እውን ህዝቢ ዘንፀርፅረሎም በቢ ቦትኡ ዘለው ሓለፍቲ፣ ገገሊኦም ተሓቢኦም ዝነበሩ፣ ገገሊኦም ዘጭበርብሩ ዝነበሩ፣ ገገሊኦም ኣብ ስርቂ ተዋፊሮም ዝነበሩ፣ ሕዚ መሊሶም ቆቢዕ ቀይሮም ብሓደ ወይ ብካልእ መገዲ ዝተመሓየሹ መሲሎም መፂኦም ህዝብና ዘሳቕይሉ ኩነታት ክህሉ ክፍቀድ የብሉን ክብሉ ኣይተ ጌታቸው ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብ ኣብያተ ምኽሪ ከምኡ ዓይነት መድረኻት ኣብ ዝፍጠርሉ፣ ናይ ኣመራርሓ ምትዕርራይ ኣብ ዝግበረሉ ኩነታት ዋና ማእኸል ክግበር ዝግበኦ ናይ ህዝብን ናይ ህዝብን ድሌት ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ግምት ኣእቲና ክንሰርሕ ይግባእ ምባሎም ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ርእሰ ምምሕሰዳር ኣብ ማሕበረዊ ሚዲይኡ  ዘመሓላለፎ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም