ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ልዕሊ 120 ኢንዱስትሪታት ዳግም ናብ ስራሕ ኣትዮም

108

 

አዲስ አበባ /ግንቦት /26/ 2015/ ኢዜአ/  ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስራሕ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ልዕሊ 120 ኢንዱስትሪታት ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ዳግም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።

ከም ሃገር ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ካብ ዝጅመር ድሕሪ ሓደ ዓመት ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ምእታዎም ዝፍለጥ እንትኾን ካልኦት ስራሕ ኣቋሪፆም ዝነበሩ ኢንዱስትሪታት እውን ዳግም ናብ ስራሕ ምምላሶም ኢዜአ ፀብፂቡ አሎ።

በቲ ጎስጓስ ንኢንዱስትሪታትን ኢንተርፕራይዛትን ዝተዋደደ ህንፀት ዓቕሚ፣ ሓገዝ ቀረብ ፋይናንስን እታዎትን ተገይሩ ዓቕሚ ምፍራዮም እናልዓለ ምምፅኡ ዝፍለጥ እዩ።

ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ብፍላይ ኣብ ጨርቃጨርቂ፣ ምግቢ፣ ኣብ ማኑፋክቸሪንግን ፍርያታት ኢንዱስትሪን ዘፈር ብዙሕ ውፅኢታት እውን ተመዝጊቦም።

ሓላፊ ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣሕመድ እድሪስ እቲ ጎስጓስ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ኢንዱስትሪታት ንምንቕቓሕ ዓብዪ ግደ ኣበርኪቱ እዩ ምስ በሉ

ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ዓቕሚ ምፍራይ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ኢንዱስትሪታት ንክውስኽ ከምዝገበረ ሓቢሮም፣ ብማእኸላይ 41 ሚኢታዊ ዝነበረ ዓቕሚ ምፍራይ ናብ 51 ልዕል ክብል ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም።

ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ብብርኪ ሃገር 29 ሚያዝያ 2014 . ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዕላዊ ከምዝተገበረ ዝፍለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም