ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ምስ ሚኒስትር ብዙሃነት ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ዘቲዮም

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/25/ 2015 (ኢዜአ)ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ምስ ሚኒስትር ብዙሃነት ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ሼኽ ናሃያን ሙባረክ ኣል ናሃያን ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ዑደት ንምግባር ናብ ኣቡዳቢ ብምምፅኦም ከብሪን ሓጎስን ከምዝስመዖም ሼኽ ናሃያን ሙባረክ ኣል ናሃያን ተዛሪቦም።

እቲ ዑደት፥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብን ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር እወንታዊ ግደ ከምዘሎዎ ገሊፆም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ህንፃ ንምህናፅ መሬት ምሃቡ አመስጊኖም።

ንህዝብን መራሕቲን ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ እወንታዊ ትምኒቶም ምግላፆም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤምሬትስ ሕቡራት ዓረብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም