መበል 14 ከተማ ለኸ ፌስቲቫል ምክያድ ጀሚሩ

174

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 25/2015(ኢዜኣ) መበል 14 ከተማ ለኸ ፌስቲቫል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ግዮን

ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ፌስቲቫል፤ '' ብስነ-ጥበባት ሕብራዊ መልክዕ ዝፀበቐት ኢትዮጵያ ''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 27 ግንቦት 2015 / ክፀንሕ እዩ።

ብብርኪ ከተማ ንመበል 14 ግዜ ኣብ ዝካየድ ፌስቲቫል፤ ምንቅስቓሳት ስነ ጥበብ፣ዝተፈላለዩ ውድድራት፣ዐውደ ርእይን ስነ ጥበባዊ ፍፃመታትን እናቐረቡ ይርከቡ።

ኣብ ቢሮ ባህሊ፣ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ምክትል ሓላፊ ዓውዲ ኪነ ጥበብ ኣይተ ሰርፀ ፍሬስብሃት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበልዎ፤ እቲ ፌስቲቫል ኣብታ ከተማ ዘለው ሃፍትታት ኪነ ጥበብ ከምኡ እውን ኣጉሊሁ ንምርኣይ ዝሕግዝ እዩ።

ኣብቲ ፌስቲቫል፤ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ትካላት ስነ ጥበብ፣ቤት ትምህርቲ ስነ ጥበብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፣ዲፕሎማት ወፃኢ፣ትካላት ሃይማኖት፣ሰብ ሞያታት ኪነ ጥበብ፣ቤት ትምህርትታት 1 ይን 2ይን ብርኪ ከምኡ እውን ማሕበራት ሞያ ተሳቲፎም እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም