ብብርኪ ሃገር ሓፈሻዊ መምርሒ ሓበሬታ ግብርና ይዳሎ ኣሎ-ሚኒስቴር ግብርና

257

 

ኣዳማ/ግንቦት 25/2015(ኢዜኣ) ሚኒስቴር ግብርና ብብርኪ ሃገር ዘበናዊ ዝኾነ ሓፈሻዊ መምርሒ ሓበሬታ ግብርና ንምዝርጋሕ ዘኽእል መምርሒ ሓበሬታ እናዳለወ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

ዓውደ መፅናዕቲ ዝምልከቶም ኣካለት ሓበሬታ ግብርና ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ እዩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ግብርና ዶክተር ፍቅሩ ረጋሳ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ግብርና ርኡይ ለውጢ ንምምፃእ እናተሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ፅሬት ብዘለዎ እዋናዊ ሓበሬታ ክድገፉ ኣለዎም።

ሃገራዊ ዝኾነ ሓደ መምርሒ ሓበሬታ ምህናፅ ፅሬትን ምድግጋምን ሓበሬታ ብምሕላው ኢትዮጵያ ማእኸል ስርዓት ዲጂታል ንክህልዋ ዘኽእል ከምኡ እውን ወፃኢ ዝቑጥብ ብምዃን ብኽነት ፍልጠት፣ጉልበን ሃፍትን ዘትርፍ ምኻኑ ኣረዲኦም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ዶክተር ማንደፍሮ ንጉሴ ብወገኖም፤ ሓበሬታ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ግብርና ንምቕያርን ንምዝማንን ዲጂታል ኣጠቓቕማን ኣተኣኻኽባን ሓበሬታ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ዝምልከቶም ኣካላት ሓደ ሃገራዊ ሓፈሻዊ መምርሒ ሓበሬታ ንክህነፅ ናይ ባዕሎም ደገፍ ክገብሩ ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ፤ ሚኒስቴር ግብርና፣ኢንስቲትዩት ምርምር ግብርና ኢትዮጵያ፣ሳይንስ ስፔስ ኢትዮጵያን ኢንስቲትዩት ጂኦ-ስፓሻልን፣ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያን ኣብ ዲጂታላይዜሽን ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ ብሓባር ንምስራሕሰ ዘኽእሎም መረዳድኢ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም