ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ሱዳንን ሶማሊያን ዝመፁ ሓዊሱ ልዕሊ 110 ሽሕ ስደተኛታት ተቐቢላ-ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 25/2015(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ሱዳንን ሶማሊያን ዝመፁ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት መዕቖቢ ደልዮም ዝመፁ ልዕሊ 110 ሽሕ ምቕባላ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኣፍሊጡ።

ነቶም ስደተኛታት ዝተማልአ ኣገልግሎት ንምቕራብ ኣብ መተማን ኩምሩክን ሓዱሽ መዕርፎ ስደተኛታት ምህናፅ ከምዝጀመረ እቲ ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሙሉዓለም ደስታ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ናብ ግዝኣታ ዝኣትዉ ስደተኛታት መዕቖቢ ብምሃብ እትፍለጠሉ ታሪኽ ብምጥንኻር ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1 ሚልዮን ዜጋታት ሃገራት ወፃኢ ኣዕቚባ ከምትርከብ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራሕ ካብ ሱዳንን ሶማሊያን ዝተፈናቐሉ ሓዊሱ ልዕሊ 110 ሽሕሰ ስደተኛታት ተቐቢላ ብመሰረት ዓለም ለኸ ቅዋም ኣድላይ ሰብኣዊ ሓገዝ እናቕረበት ምዃና ብምሕባር፤ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ስደተኛታት ምቕባል ብኣንፃር ፀጥታን ድሕንነትን ከምፀኦ ዝኽእል ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው ምስ መንግስትታት ፌዴራልን ክልልን ብሓባር እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም