ሃገራዊ ረቂቕ ፖሊሲ ስነ ምግባርን ምክልኻል ግዕዝይናን ተዳሊዉ-ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራዊ ረቂቕ ፖሊሲ ስነ ምግባርን ምክልኻል ግዕዝይናን ተዳሊዉ-ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 25/2015(ኢዜኣ) ሃገራዊ ረቂቕ ፖሊሲ ስነ ምግባርን ምክልኻል ግዕዝይናን ምድላዉ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል እሸቴ አስፋው ገሊፆም።
እቲ ኮሚሽን ብዛዕባ እቲ ረቂቕን እቲ ኣሰራርሓ ብቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕን ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን መድረኽ ምእካብ እታዎታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ።
ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል እሸቴ አስፋው ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ገበን ግዕዝይና ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ዜጋታት ብዘብፀሖ ዘሎ ፅዕንቶ ማሕበራዊ ቅልውላው ካብ ምብፃሕ ሓሊፉ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ልዑል ጉድኣት እናብፀሐ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ብብርኪ ሃገር ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ዕውት ንምግባር ሃገራዊ ረቂቕ ፖሊሲ ስነ-ምግባርን ምክልኻል ግዕዝይናን ከምዝተዳለወ ኣረዲኦም።
እቲ ፖሊሲ ብዝምልከት፤ ተፀዋዕቲ ትካላት ክልልን ምምሕዳራት ከተማን፣ትካላት ልምዓት መንግስቲ፣ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ካልኦት ዝምልቶም ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዛዕባ ምትእኽኻብ እታዎታት ዘተ እናተገበረ ይርከብ።