ባንኪ ወጋገን ኣብ መቐለ በዓል 25 ደብሪ ህንፃ ንምስራሕ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ኣንቢሩ

62

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/25/ 2015 (ኢዜአ)ባንኪ ወጋገን ኣብ መቐለ በዓል 25 ደብሪ ህንፃ ንምስራሕ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ሎሚ መዓልቲ ኣንቢሩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ባንኪ ወጋገንን፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ነበርቲ ከተማ መቐለን ተረኺቦም።

እቲ ባንኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ እቲ እምነ ኩርናዕ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣንቢረሙዎ።

ኣይተ ጌታቸው፥ ባንኪ ወጋገን ባንኪ ወጋገን ሓዊሱ ትካላት ፋይናንስ ትግራይ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ እጃመን ከበርክታ ይግባእ ኢሎም።

ባንኪ ወጋገን በዓል 25 ደብሪ ህንፃ ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ምንባሩ አመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም