ኣብ ክልል ትግራይ ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ክፍተት ከምዘሎ ተሓቢሩ

179

 

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/25/ 2015 (ኢዜአ)ኣብ ክልል ትግራይ ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ክፍተት ከምዘሎ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝተፈጠረ ጎንፂ ስዒቡ ናብ ክልል ትግራይ እኹል ዝኾነ ናዉትታት ሕክምናን ኣፋዉስን ብዝይምእታዉ እቲ ሕማም ከምዝተስፋሕፈሐን በቲ ሕማም ዝቃልዑ ቁፅሪ ሰባት ድማ እናወሰኸ ምምፅኡ ምስ ጣብያና ፃንሒት ዝገበሩ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መተሓባባሪ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኬዝቲም ኣይተ ኣረጋይ ገብረመድህን ሓቢሮም፡፡

ድሕሪ እቲ ውዕሊ ሰላም ከም ጅማሮ ዝንኣዱ ምንቕስቃሳት ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ብመንፅር ኣብታ ክልል ዝበፅሐ ዕንወት እንትረአ ግና እኹል ዝበሃል ከምዘይኾነ ይሕብሩ፡፡

እቲ ሕማም ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ኩለን ከባብታት ትግራይ ተበፃሒ ንምግባርን ሕፅረት ነዳዲ፣ ናዉትታት ሕክምና፣ ኣፋዉስን በጀትን ማሕለኻ ኮይኖም ከምዝርከቡ እዉን ኣልዒሎም፡፡

ብወገን መንግስቲ ፌደራል እዉን እቲ ሕማም ንምቁፅፃር እናተሰርሐ ይኹን እንበር ሐዚ እዉን ዝተርፍ ስራሕቲ ብምህለዉ እኹል በጀት ብምምዳብ ንክሰርሕ ሓቲቶም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም