ተምሃራይ ሳሙኤል ዘካርያስ ሓድሽ ሮኬት ሚሂዙ ሽም ናይቲ ሮኬት BM-21 ዝባሃል ኮይኑ ካብ 6 ክሳብ 10 ኪሎሜትር ክውንጨፍ ዝኽእል እዩ ተባሂሉ ይግመት።

179

አዲስ አበባ /ግንቦት 25 /215 /ኢዜአ / BM-21 ዝተብሃለ

ሓዱሽ ሮኬት ዝሰርሐ ተምሃራይ ሳሙኤል ዘካርያስ ይበሃል፣ ኣብ ዞባ ወላይታ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ፈጠራ ብምስራሕ ይፍለጥ።

ካብ 6 ክሳብ 10 ኪሎሜትር ክውንጨፍ ዝኽእል BM-21 ዝተብሃለ ሓዱሽ ሮኬት ሰሪሑ።

እቲ ሮኬት ካብ 6 ክሳብ 10 ኪሎሜትር ክውንጨፍ ዝኽእል ምዃኑ ተምሃራይ ሳሙኤል ብምግላፅ ብሓደ ግዜ ኣርባዕተ ቀላያት ዝሕዝን ክውንጨፍ ዝኽእልን ሮኬት ከምዝሰርሐ ገሊፁ።

ብዘይምንኽኻእ ሰብ ብናይ ባዕሉ መአዘዚ ዒላማ ክወቅዕ ዝኽእል ሮኬት እዩ።

 ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ጅማሮ ምውንጫፍ ከምዝገብር እውን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ዞባ ወላይታ ኣይተ ዮሃንስ በየነ እቲ ተምሃራይ ንሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ዓቕሚ ዝኾኑ ስራሕቲ ካብ ሕዚ ጀሚሩ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ብዙሓት ስራሕቲ ፈጠራ ዝሰርሑ መናእሰይ እንተሃለዉ እውን ኣይተጠቀምናሉን ዝበሉ ኣይተ ዮሃንስ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ገሊፆም።

ኩሉ ሰብ ብባዕሉ እንተፅዒሩ ብዙሕ ክስራሕ ከምዝከኣል እዚ ጥራሕ መርኣያ እዩ ኢሎም። እቲ መንእሰይ እናሰርሖ ዝርከብ ፈጠራ ዝበረታታዕ ምዃኑ ብምድናቕ ንዝሕግዙ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣብ ጎኒ እቲ መንእሰይ ብምዃን ዝከኣሎም ኩሉ ንምግባር ድሉው ምዃኑ ብምግላፅ ነቲ መንእሰይ ምሕጋዝ ማለት ንሃገርና ምሕጋዝ ምዃኑ ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም