ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መዓልኡ ንክውዕል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ-ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ

137

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/25/ 2015 (ኢዜአ)ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መዓልኡ ንክውዕል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ የስራሕ ኣሎ ክብል ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ጎንፂ ንፀገም ንዝተቓቀልዑ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ምቹእ ኩነታት ምፍጣሩ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ማዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ መዓልኡ ንከይውዕል ዝገብሩ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር መነግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ክልላት ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም