ኮነ ኢሎም ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ዝውዝዑ ውልቀ ሰባት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

110

 

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/24/ 2015 (ኢዜአ)ኮነ ኢሎም ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ዝውዝዑ ውልቀ ሰባት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ መንግስቲ ንሕቶ ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ ካብ መንጎ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ሓደ ገህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍፀመሉ ዝነበረ ማእከላዊ ምርመራ ገበን ምዕፃው ኢዩ ኢሉ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ስራሕቲ ምርመራ ገበን ፖሊስ ገልፅነትን ተሓታትነትን ዝነገሰሉ ሱር ቦቆስ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሩ።

ብመሰረት እዚ ድሕሪ ሪፎርም ኣሰራርሓ ምርመራ ገበን ከምዝተቐየረ ገሊፁ።

ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ምርመራ ገበን ስታንዳርድ ኣብ ምትግባር ከምዘሎ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምርመራ ገበን ብምክያድ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተጠርጠርቲ ብልዑል ኩነታት ምምሕያሽ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሉ።

ይኹን እነበር ውሱናት ወልቀ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓፈሻዊ መምርሒ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ፈፂሙ ኢዩ ብምባል ኮነ ኢሎም እወንታዊ ሽም እቲ ትካል ፀለሎ ንምቕባእ ዘኽእል ስኑዕ ሓበሬታ ይውዝዑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

እዞም ወልቀ ሰባት ካብ መንጎ ብግብረ ራዕዲ ተጠርጢሮም ዝድለዩ ዘለዉን ስሞም ንህዝቢ ዕላዊ ዝተገበሩን ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፥ ኮነ ኢሎም ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ዝውዝዑ ውልቀ ሰባት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም