መንግስቲ ኣብ ዲጂታል ልውውጥ ንግዲ ንሓለዋ መሰል ዓማዊል ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ገሊፁ

69


አዲስ
አበባ/ ግንቦት/ 24/ 2015 (ኢዜአ)መንግስቲ ኣብ ዲጂታል ልውውጥ ንግዲ ንሓለዋ መሰል ዓማዊል ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።

ሓለዋ ዓማዊል ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብዝበል መሪሕ ቃል  ኤፍ.ኤስ. ኢትዮጵያ ዘሰናድኦ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

እቲ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቛፊን ዘላቒን ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኣብ ዲጂታል ፋይናንስ ስርዓት ዘለዎ ፀገማት ብምፍላይ ኣንፈት መፍትሒ ንምጥቃም ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ሁሪያ ዓሊ፥ ኣብ ዲጂታል ዕዳጋ ዓማዊል ካብ ምድንጋርን ስርቂን ምሕላው፣ ብዛዕባ ዕዳጋ እኹል ሓበሬታ ንክረኽቡ ምግባር፣ ፈትሓዊ ነግዲ ምፍፃምን ኣብ ዕዳጋ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ዘይምርድዳኣት ዝፈትሕ ስርዓት መዝርጋሕ የድሊ ኢለን።

መንግስቲ ኣብ ዲጂታል ልውውጥ ንግዲ ንሓለዋ መሰል ዓማዊል ፍሉይ ጠመተ ከምዝህብ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም