ኣብ ክልል ደቡብ ሮዝመሪን ሓዊሱ ቅመማ ቅመም ከምኡ እውን ልምዓት ኣትክልትን ፍራምረን ዝለዓለ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ-ቢሮ ግብርና እቲ ክልል

94

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /24/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ደቡብ ፍርያታት ቅመማ ቅመምን ኣፍረይቲ ልምዓት ኣትክልትን ፍራምረን ነታ ሃገር ፍልፍል ኣታዊ ብምዃን ዝለዓለ ውፅኢት እናተረኸበሎም ምዃኖም ቢሮ ግብርና እቲ ክልል ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሮዝመሪንን ካልኦት ተመሳሰልቲ ቅመማ ቅመምን ብመዳይ ንግዲ ወፃኢ ኣታዊ ኣብ ምርካብ ብዙሕ ኣይነበረን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብስፍሓት እናፈረዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘዋፅኡ ፍርያታት ግብርና ኮይኖም ተወሳኺ ፍልፍል ኣታዊ እናኾኑ እዮም።

ሓላፊ ቢሮ ግብርና ክልል ደቡብ ዑስማን ሱሩር ኣብቲ ክልል እናተሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ግብርና ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ኣብቲ ክልል ዓውዲ ግብርና ብምዝማን ሓረስቶትን መራባሕቲ እንሰሳን ተረባሕቲ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ብብርኪ ሃገር በቲ ዓውዲ ዝተትሓዘ ትልሚ ምስኻዕ ዘኽእሉ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ካብ ፍርያት ኣዝርእቲ ብተወሳኺ ፍርያታት ቅመማ ቅመም ከምኡ እውን ኣፍረይቲ ልምዓት ፍራምረን ኣትክልትን ተረባሕቲ ካብ ምግባር ሓሊፎም ፍልፍል እቶት እታ ሃገርን ፍልፍል ሸርፊ ወፃእን እናኾኑ እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም