ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 24/2015 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን እዩ ክብሉ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውሕመ ዳይሬክተር ቴክኖሎጂ፣ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዦን ፖል ኣደም ተዛሪቦም።
እቶም ዳይሬክተር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ተካይዶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ንምርግጋፅ ወሳኒ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ከባብታት ተፋሰስ ብዝሃ ሂወት ንምሕላው ሃፍቲ ማይ ኣብ ምክንኻን ትሰርሖ ዘላ ስራሕ ዝነኣድ እዩ።
እቲ ትካሎም እውን ፃዕሪ ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ንምግባር ደገፍ ሞያ እናገበረ ምዃኑ ዦን ፖል ኣደም ሓቢሮም።