ፓርቲ ብልፅግና ብዝሃቦ ጠንካራን ቕቡልነት ዘለዎን ኣመራርሓ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ተሳሊጦም-ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራሕ

121

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 24/2015 (ኢዜኣ) ፓርቲ ብልፅግና ብዝሃቦ ጠንካራን ቕቡልነት ዘለዎን ኣመራርሓ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ምስላጥ ምኽኣሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራሕ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ፤ ዝተጀመሩ ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማሲያውን ስራሕቲ ብዓወት ንክቕፅሉ ስራሕቲ ምፅራይ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ፣ምጥንኻርን ምህናፅን ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ምክትል ፕዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራሕ፤ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ንክልተ መዓልቲ ከካይዶ ዝፀንሐ ስሩዕ ኣኼባ ዘቐመጦም ኣንፈታት ኣመልኪቶም ንኢዜኣ መግለፂ ሂቦም።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ብዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዓውድታት ፖለቲካ፣ኢኮኖሚ፣ማሕበራውን ዲፕሎማሲያውን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ገምጊሙ ናይ ቐፃሊ ኣንፈታት ኣቐሚጡ እዩ ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ሓባራዊ ምርድዳእ ዘይተበፅሐሎም መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ብኮሚሽን ምኽክር ኣቢሉ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝተጀመረ ፃዕሪ ፅቡቕ ምዃኑ ተገምጊሙ ኢሎም እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት።

ፓርቲ ብልፅግና ንኹሉ ኣሳታፊ ዘተ ንክግበርን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንክብፃሕን ከም ሓደ ውድብ ናይ ባዕሉ እጃም ከምዝዋፃእ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ እውን ሓቢሮም።

እቲ ፓርቲ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ዲሞክራሲ ንምንባር ብርእዮትን ፖሊስን ዝፍለዩ ተናሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ኣብ መሓውር መንግስቲ ብምስታፍ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ንክፍጠር ገይሩ እዩ፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቕን ኣዎንታውን ሰላም ንምፍጣር ንረብሓሓ ህዝቢ ጠጠው ዝበሉ ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ዲሞክራስን ኣብ ምህናፅ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይዱ ምስ ዝነበሩ ኣካላት ዘበናውን ባህላውን ሜላታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ዝሓቐፈ ዘተ ብምክያድ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን ፃዕሪ ከምዝተገበረ ከም ኣዎንታ ከምዝተገምገመ እውን ኣረዲኦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሌታት ውልቀን ጉጅለን ብሓይሊ ንምስኻዕ ዝሓሰቡ ፅንፈኛታት ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና እናፈተንዎ እዮም ዝበሉ ኣይተ ኣደም ፋራሕ፤ ነፃነት ንምጥቃም ናይ ካልኦት ነፃነት ምኽባር ከምዝግባእ ፀሪሖም።

እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ፤ ልዕልና ሕግን ሕገመንግስታዊነትን ምርግጋፅ፣ምፅናዕ ዝተማልአ ሃገራዊ ሰላም፣ምጥንኻር ትካላት ፍትሕን ፀጥታን፣ሓባራዊ ሓቂ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣገዳሲ ቦታ ክሕዙ ምግባር ከምዝግባእ ኣንፈት ምቕማጡ ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ፍትሓዊ ልምዓታት ኣብ ምርግጋፅ ሓቛፊ ኢኮኖሚ እናተሃነፀ ምዃኑ ኣብቲ ዘተ ከምዝተመልከተ ኣብራህሪሆም።

ስርዓት ኢኮኖሚ ዓውዲ ብዝሃ ብምቕፃል ዝተመዝገቡ ዓወታት ምህላዎም ብምግላፅ፤ ብፍላይ ኣብ ፍርያት ስርናይ ዝተርኣዩ ውፅኢታት ከም ዓብዪ ዓወት ምምልካቱ ሓቢሮም።

ኣብ ወፍሪ ኢትዮጵያ ተፍሪ ፀገም ዓውዲ ኢንዱስትሪ ብምፍታሕ፣መፍረያዪነት ንምዕባይን ምትእስሳር ዕዳጋ ኣብ ምፍጣርን ዝተባብዑ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ገሊፆም።

ገበታ ለሃገርን ካልኦት ፕሮጀክትታትን ዓውዲ ቱሪዝም ምንቕቓሕ ምኽኣሉ ከምኡ እውን ብኣንፃር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣብ ውሽጢ 9 ኣዋርሕ 2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ምፍጣሩ ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ፣ኮንትሮባንድ ንምክልኻል፣ኣብ መንጎ መፍረይን ሸማትን ዋጋ ዝውስኹ ሰንሰለታት ዕዳጋ ንምቕናስ ጠንካራ ስጉምትታት ንክውሰዱ እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣንፈት ምቕማጡ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ሓቛፊ ማሕበራዊ ልምዓት ንምጉልባት ብትምህርቲ፣ጥዕና ከምኡ እውን ኣብ ተረባሕነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ዝተባብዑ ውፅኢታት ምምዝጋቦም ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውዲ ማሕበራዊ ዘለው ፅሬት ትምህርቲ፣ፍትሓዊነትን ተረባሕነትን መሰረት ዝገበረ ስነ ምግባራውን ፈታዊ ሃገርን ወለዶ ክሳለጥ እዩ ኢሎም።

ምትሕብባርን ሓባራዊ ተረባሕነትን መሰረት ብዝገበሩ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ውፅኢታት ምርካቦም ብምፅራሕ፤ ንጎረቤት ሃገራት ቀዳምነት ብምሃብ ምትእስሳር ኢኮኖሚ፣ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንክጠናኸር ዝተጀመሩ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም።

ክብሪ ሃገር ናይ ምሕላው ከይድና ዘይጠዓሞም ኣካላት ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ስዒቡ ዝፈጠሩልና ፅዕንቶ ብምፅዋር ሉኣላዊነት ሃገርናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን ሓሊውና ቀፂልና ኢና ኢሎም።

ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ናይ ምሃብ ቅዋም ውፅኢት ስለዝተረኸበሉ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲኦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ሚዛኑ ዝሓለወ ኩለመዳያዊ ኣካይዳ ዲፕሎማሲ ብምኽታል ነፃነት ፖሊስና ዘዕንቕፉናን ፍትሓዊ ተረባሕነት ከይነረጋግፅ ፅዕንቶ ዝፈጥሩልናን ናይ ምምካትን መሓዛ ናይ ምብዛሕን ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣንፈት ምቕማጡ ተዛሪቦም።

ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ዝተጀመሩ ፖለቲካዊ፣ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ዲፕሎማሲያውን ስራሕትታት ብዓወት ንክቕፅሉ ስራሕቲ ምፅራይ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ፣ምጥንኻርን ምህናፅን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ፈጠራን ቕልጣፈን ተጠቒሙ ኣወዳድባ እቲ ፓርቲ ምጥንኻር፣ሓድነትን ዲሞክራስን ውስጠ እቲ ፓርቲ ምጉልባት ከምኡ እውን ኣብ እዋን መረፃ ንህዝቢ ዝተኣተወ ቃል ብውፅኢታዊነት ምፍፃም ናይ ቐፃሊ ትኹረት ምዃኖም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም