ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ በዓለ ሹመት ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ተረኺበን

128

 

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/24/ 2015 (ኢዜአ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ በዓለ ሹመት ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ኣሕመድ ቲኑቡ ተረኺበን።

ኣብቲ ስነስርዓት ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ፃንሒተን ምስቶም ሓዱሽ ፕሬዚዳንትን ካልኦት መራሕታ ሃገራትን ተዛቲየን።

ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ኣብ ከይዲ ሕድሳት ዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጠን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ኣቡጃ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ምዝታየን ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም