ምክትል ፕሬዚዳንት  ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

118

ፓርቲ ብልፅግና ብዝሃቦ ጠንካራን ተቐባልነት ዘለዎን ኣመራርሓ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘቀላጥፉ ስራሕቲ ተሰሪሖም - ምክትል ፕሬዚዳንት  ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ምዕባለ ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት እቲ ኮሚቴ ንክልተ ማዕልትታት ከምዝተዛተየ ገሊፆም።

ብፍላይ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ ዓቕምታት እዛ ሃገር ምምዕባል ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ከም ሃገር ሓድነት ህዝብን ሃገራዊ ምርድዳእን ንምፍጣር እቲ ፓርቲ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

መንግስቲ፥ እዚ ንምፍፃም ዝተጣየሸ ሃገረዊ ኮመሽን ዘተ መትከል መሰረት ገይሩ ይድግፍ ኣሎ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም