ኢትዮ ቴሌኮም ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ዲጂታል ምሃብ ዘኽእሎ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

138

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 23/2015 (ኢዜኣ) ኢትዮ ቴሌኮም ምስ ዩኒቨርሲቲ አዲስ አበባ ኣገልግሎት ዲጂታል ምሃብ ዘኽእሎ ስምምዕነት ሎሚ ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕ ዝተፈራረሙ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃናን እዮም።

እቲ ስምምዕ፤ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣገልግሎት ቴሌብር ሓዊሱ ኣገልግሎታት ኮኔክቲቪቲን ዲጂታልን ምሃብ ዘኽእሎ እዩ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፤ እቲ ኩባንያ ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር እናሰርሐ እዩ ኢለን።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ብወገኖም፤ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ንምግባር እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም