ንምርግጋፅ ሰላም ክልል ኦሮሚያ ምስ ትካላት ሃይማኖት ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

95

 

ሓላፊ ቢሮ  ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ሃይሉ ኣዱኛ፥ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ እምነት ተኸባቢሮም ዝነብሩላ ሃገር ኢያ ኢሎም።

መንግስቲ እቲ ክልል እውን ብማዕርነት ሃይማኖታት ዝኣምንን ኣፍልጦ ዝህብን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ምፍራስ ዘይሕጋዊ ኣባይቲ ኣብ ልዕሊ መስጅድ ዘነፃፀረ ዘይምዃኑ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዋ ኣስታት 600 ከተማታትዘይሕጋዊ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስራሕ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

ሕጊ ምኽባር ዝበሃልዕ ብቀንዱ ዘይሕጋዊ ተግባር ብዘላቅነት ንምክልኻል ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም