ሃገራዊ ሽግግር ፍትሒ ምኽሪን እታዎታትን ህዝቢ ናይ ምእካብ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተጀሚሩ

113

 

ምትግባር ስርዓት ሽግግር ፍትሒ፥ ንዘላቒ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ምዕባለን ኢትዮጵያ እወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ከይዲ ብዝተማልአ መገዲ ንምትግባር ዘኽእል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከስርሑ ከምዝፀንሑ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ መበገሲ ሰነድ ኣማራፅታት ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ሚኒስቴር ፍትሒ ብዝወደቦ ጉጅለ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ሃገራዊ ሽግግር ፍትሒ ምኽሪን እታዎታትን ህዝቢ ናይ ምእካብ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተጀሚሩ።

እቲ ዘተ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝርከባ 58 ከተማታት ካብ ወርሒ ሚያዚያ ክሳብ ነሓሰ 2015 . ኣብ ዘሎ እዋን ከምዝፍፀም ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም