እቲ ዋና ከይዲ ምኽክር ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንምጅማር እናተሰርሐ እዩ-ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ

150

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 23/2015 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ዝተጣየሸሉ ዋና ከይዲ ምኽክር ኣብ ቀፃሊ ዓመት ምጅማር ዘኽእል ስራሕ እናተሳለጠ ምዃኑ ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ከይዲ ምልመላ ተሳተፍትን ምእካብ ዛዕባታትን ዘተኮረ ስልጠና ንዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እናሀበ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ክወሃብ ኣብ ዝነበረ ስልጠና ዝተረኸቡ እቶም ኣካቢ፤ ዝኾነ ዓይነት ዛዕባ ንድሕሪት ከይተርፍ ብጥንቃቐ እናተሰርሐ ምዃኑን እቲ ኮሚሽን ኣብ ቀፃሊ ዓመት ናብ ምኽክር ንምእታው ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣብ ምስላጥ ከምዝርከብን ኣረዲኦም።

ኣብ ኩሎም መሓውራት ካብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ተሳተፍቲ ዝምልምሉ 7 መተሓባበርቲ ኣካላት ዝተመረፁ እንትኾኑ ግልፂ፣ሓቛፋይን ተኣማኒነት ዘለዎን ንክኸውን እጾም መልመልቲ እኹል ስልጠና ወሲዶም እዮም ኢሎም።

ሃገራዊ ዛዕባ ኣለኒ ዝብል ዝኾነ ኣካል በቲ ኣወዳድባ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ብስልኪ፣ብኣካልን ብካልኦት መንገድታት መቕረቢ ሓሳባትን ነቲ ኮሚሽን ንክህብ ብምምችቻው እናተቐበልና ኢና ክብሉ ሓቢሮም ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም