ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ቻይና ዝገበርዎ ዑደት ምሕዝነትን ምትሕብባርን ኢትዮጵያን ቻይናን ሓፍ ዘበለ እዩ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ

83

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 23/2015 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ቻይና ዝገበርዎ ዑደት ምሕዝነትን ምትሕብባርን ኢትዮጵያን ቻይናን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ሓፍ ከምዘበሎ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ዓለም ኣብ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ዲፕሎማስን ዝተሳለጡ ዓበይቲ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ሰሙናዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣምባሳደር መለስ ዓለም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ካብ 15 ግንቦት ክሳብ 20 ግንቦት 2015 / ኣብ ቻይና ዝገበርዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ እቲ ዑደት ምሕዝነትን ምትሕብባርን ኢትዮጵያን ቻይናን ዘፅንዐ ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሸጋገረ እዩ ኢሎም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ፃንሒቶም፤ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ቻይና ከምኡ እውን ሰብ ሃፍቲ ቻይና ዘተታት ከምዝገበሩ ብምግላፅ፤ እቶም ዘተታት ርክብን ምሕዝነትን ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጠሩ ምዃኖም እቶም ወሃቢ ቃል ኣብ መግለፂኦም ኣመላኺቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም