ኢትዮጵያ ጉዳያት ስነ ህዝብን ተመሳሰልቲ ጉዳያት ልምዓትን ኣብ ውሽጢ ናይ ልምዓት ትልምታታ ሓቚፋ እናሰርሐት እያ- ኣይተ ሳንዶካን ደበበ

141

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 23/2015 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ጉዳያት ስነ ህዝብን ተመሳሰልቲ ጉዳያት ልምዓትን ኣብ ውሽጢ ናይ ልምዓት ትልምታታ ሓቚፋ እናሰርሐት ከምትርከብ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ልምዓትን ፕላንን ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ገሊፆም።

ዓመታዊ ፀብፃብ ስነ ህዝቢ ዓለም 2023 ትማሊ ብኢትዮጵያ ዕላዊ እንትኸውን እቲ ፀብፃብ ብዝምልከት እውን ዘተ ተኻይዱ እዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ልምዓትን ፕላንን ኣይተ ሳንዶካን ደበበ፣ዳይሬክተር ፈንድ ስነ ህዝቢ ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ኮፊ ካውሜ ከምኡ እውን ዳይሬክተር ትካል ዓለም ለኸ ፍልሰት ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢባቱ ዋኔ-ፎልን ካልኦት ተወከልቲ ትካላት ውሕመን ተረኺቦም።

እቲ ፀብፃብ “8 ቢልዮን ሂወት፣ጉዳይ መወዳእታ ዘይብሎም ኣማራፅታት መረፃን መሰልንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ልምዓትን ፕላንን ኣይተ ሳንዶካን ደበበ፤ ኢትዮጵያ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ዘለወን 14 ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃና ብምሕባር ጉዳያት ስነ ህዝብን ተመሳሰልቲ ጉዳያት ልምዓትን ኣብ ውሽጢ ናይ ልምዓት ትልምታታ ሓቚፋ እናሰርሐት እያ ምባሎም ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም