ቤት ትምህርቲ ሰሪሑ ህጻናትን ዓበይቲን ምስ ትምህርቲ ዘራኸበ መምህር

144

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡ ዞን ዳውሮ፡ ቀበሌ ጉኖ ዝርከብ ሻምና ዝበሃል ከባቢ ምሉእ ዓመት ለምለም እዩ፤ መብዛሕትኦም ነበርቲ ድማ ሓረስቶት እዮም። ካብ ቀለብ ዝተረፈ ናብ ዕዳጋ የቕርቡ።

ንነበርቲ እዚ ከባቢ ቀንዲ ጸገሞም መንገዲ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ እዋን ዝናብ ኣጸጋሚዩ።

ቅድሚ 7 ዓመት ኣብቲ ዞባ ዝተጀመረ ህንጸት፡ እንተላይ እቲ ወላይታ ምስ ዳውሮ ዘራኽብ መንገዲ ቅጥራን ሎሚ እውን እንተዀነ ኣይተዛዘመን።

ኣብ ሻማና ዘሎ ጸገም ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ የለን። ህጻናት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ካብ ገዛኦም ርሒቘም ክጓዓዙ ይግደዱ።

ርሕቀት ጥራይ'ውን ኣይኰነን፤ እቶም ህጻናት በዳሂ መንገዲ ክጓዓዙ ግድንዩ። ሩባታት ይሰግሩ፣ ብዘይምቹእን ገደላገደልን ይጓዓዙ። እዚ ድማ ኣብ ስድራቤት ሻቕሎት ይፈጥር።

ብሰንኪ ብዙሓት ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከዱን፣ እንተወሓደ ክሳብ ብዝግባእ ዝዓብዩ፤ እንተዘይኰይኑ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዕድመኦም ምስ ትምህርቲ ኣይራኸቡን።

ወለዲ፡ ደቀይ እንተዝመሃሩለይ ካብ ምባል ሓሊፎም እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?

ባሹ በላይነህ ዝተበሃለ ነባሪ ግን ሓደ ነገር ክገብር ወሲኑ።

ባሹ በላይነህ ቀንዲ መነባብሮኡ ሕርሻ እዩ።

ቅድሚ ዓመታት 10 ክፍሊ ዛዚሙ፤ ካብ ከተማ ሆሳህና 10+2 ተመሪቝ። በታ 'ወረቐት' ስራሕ ንምርካብ ብዙሕ ኮለል ኢሉ።

ክሳዕ ሽዑ ግን "ጽቡቕ ነገር ክገብር ሓሲበ" ዝብል ባሹ፡ ኣብቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዘይምህላዉ ዝፈጠሮ ጸገም ብዝምልከት ሓደ ነገር ክገብር ወሲኑ።

እቲ ዘለዎ ፍልጠት ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካብ ትምህርቲ ዝረሓቝ ህጻናትን ዓበይትን እኹል ምዃኑ ይኣምን

ቀጻሊ ነገር ናይ ቦታ ጉዳይ እዩ - 'ቤት ትምህርቲ' ኣብቲ ካብ ስድራኡ ዝወረሶ መሬት ሓንቲ ክፍሊ ዳስ ሰሪሑ ኣዳልዩ።

እታ ክፍሊ ኣብ 500 ትርብዒት ሜትሮ መሬት ብዕንጨይትን ሳዕርን ዝተሰርሐ ኣጉዶ እያ።

ተመሃሮ ኮፍ ዝብሉሉ መናብርውን ሰሪሑ። ኣብ ቀበሌ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሰሌዳን ኩርሽን ከም ዝተወሃበ እውን ይገልጽ።

እቲ ዝቕጽል ዕማም ተመሃሮ ምርካብ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ባሹ፡ ኣብ ሻማና ብዝተኻእሎ መጠን ናብተን ገዛውቲ ብምኻድ ወለዲ ኣዘራሪቡ፤ ረብሓታት ትምህርቲ ገሊጹሎም። ንመብዛሕትኦም ድማ ከእምኖም ክኢሉ።

እዚ ጥራሕ ዘይኰነ እቲ በዓል ሓዳር ባሹ፡ ንደቁውን ምስ ካልኦት 35 ተመሃሮ ክምህር ጀሚሩ።

"ብዙሓት ህጻናት [ትምህርቲ ዘይረኽቡ] ኣለዉ። ኣቦታትን ኣደታትን ክመሃሩ ኣለዎም ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ" ይብል ባሹ።

ባሹ ካብ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ኣርብዓ ዓመት ዝዕድመኦም ተመሃሮ ኣለውዎ። ካብዚኦም እተን ዓሰርተ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

እቲ መምህር ዝህቦም ኣስተምህሮ ኣብ ከባብያዊ ፍልጠት ዝተበገሰ እዩ።

ተመሃሮ፡ ስነጽሑፍን ቋንቋን ዳውሮ ከምኡውን ኣብቲ ከባቢ ልሙድ ዝዀነ ቅርጻታትን እንግሊዝኛን ይመሃሩ።

እቶም ህጻናት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ። ሰኑይን ረቡዕን ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ንግሆ ይምሃሩ እሞ፡ ብድሕሪኡ ዓበይቲ ሰባት ይቕጽሉ።

ባሹ ምምሃር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ተመሃሮ ለውጢ ይርኢ ከም ዘሎ ይጠቅስ።

"እቶም ህጻናት በብቕሩብ ፊደላት ይመሃሩ ኣለዉ" ዝብል ባሹ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ሓጐስ ከም ዝፈጠረሉ ይዛረብ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም